Global Navigation

Back to the original version in German.

ትምህርቲ «ምንባር ኣብ ዙሪክ»

ብቛንቋ ትግርኛ ንደቂ ኣንስትዮ ዝውሃብ ትምህርቲ

ኣብዚ  «ምንባር ኣብ ዙሪክ» ዝብል ትምህርቲ ብምስታፍ ኣብ ኣርእስትታት ማሕበራዊ ናብራ: ሕግታትን ባህልን ዝተመርኮሰ ኣገዳሲ ፍልጠት ተጥርያ። ብሓባር ኴንክን ሕቶታት መዓልታዊ ሂወት ትመያየጣሎም ከምኡውን ምስ ካልኦት ደቅንስትዮ ትላለያ።

ትምህርቲ ዝጅምረሉ እዋን 

መወዳእታ ነሓሰን መጀመርታ መጋቢትን 

ኣገልግሎት ምእላይ ህጻናት ኣሎ

ዝካየደሉ ግዜ

15/16 ግዜ ሮቡዕ ሮቡዕ  ካብ ሰዓት 8.45 ክሳብ 11.15 

ፕሮግራም ትምህርቲ

  1. ምልላይ ፕሮግራምን ምዕባይ ኣፍልጦ ብዛዕባ ከተማ ዙሪክን
  2. ስዊዘርላንድ ትልለየሉ ነገራት? («Typically Switzerland»?) ካብ ዓርባዕተ ቋንቋታት ዝዝረበላ ስዊዘርላንድ ናብ ብዙሓት ቋንቋታት ዝዝረበላ ስዊዘርላንድ። ብዛዕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ምእታውን ምልምማድን ምንጽብራቕ። 
  3. ስዊዘርላንድ:-  ምልላይ ምስ ጆግራፍ: ታሪኽን ፖሊቲካን 
  4. ካንቶንን ከተማን ዙሪክ:- ታሪኽ: ስታቲስቲክ: ሕግታት: ፖለቲካን ምምሕዳርን
  5. ምብጻሕ ናይ ፖለቲከኛታት አኼባ አብ ቤተ መንግስቲ ናይ ከተማ ዙሪክ
  6. ስርዓተ ትምህርቲ ካንቶን ዙሪክ 1:- ካብ ህጻን ክሳብ መባእታ ቤትምህርቲ 
  7. ስርዓተ ትምህርቲ ካንቶን ዙሪክ 2:- ካልኣይ ደረጃ ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዩኒቨርሲቲ 
  8. ኣገባብን ምምስራሕን ጉሓፍ- ምብጻሕ ናብ ጉሓፍ ዝእከበሉን ዝነደሉን ቦታ
  9. ትምህርቲ ምቕጻልን ስራሕን ኣብ ስዊዘርላንድ
  10. ናይ ዕረፍቲ ግዜን ወለንታዊ ስራሕን ኣብ ዙሪክ:- ምብጻሕ ናይ ሓደ መራኸቢ/ምዘናግዒ ቦታ
  11. ማሕበራዊ ውሕስነታት ኣብ ስዊዘርላንድ
  12. ገንዘብ
  13. ምንባር: ጎረባብትን ሂወት ኣብ ትነብረሉ ከባብን
  14. ጥዕናን መድሕን ጥዕናን ኣብ ስዊዘርላንድ 
  15. ዑደት ታሪኻዊ ቦታታት ኣብ ጥንታዊ ክፋል ከተማ ዙሪክ:- ኣብ ታሪኽ ናይ ዙሪክ እተን ተጠቀስቲ ደቂ ኣንስትዮ መን ኔረን? 
  16. መፈጸምታ ኮርስን መዛዘሚ መደባትን

ክፍሊት

60 ፍራንክ ንኮርስ: ተወሳኺ 30 ፍራንክ ንኣገልግሎት መእለዪ ህጻናት ኣብ ከተማ ዙሪክ ንዝነብራ ተሳተፍቲ

20 ፍራንክ ንኮርስ: ተወሳኺ 10 ፍራንክ ንኣገልግሎት መእለዪ ህጻናት ኩልቱርሌጊ (KulturLegi) ንዘለወን ኣብ ከተማ ዙሪክ ንዝነብራ ተሳተፍቲ

320 ፍራንክ ንኮርስ: ተወሳኺ 90 ፍራንክ ንኣገልግሎት መእለዪ ህጻናት ካብ ከተማ ዙሪክ ወጻኢ ንዝነብራ ተሳተፍቲ

ኮቪድ-19 ናይ ምክልኻል  ስጉምትታት

ብመሰረት እዋናዊ ኩነታት ኣብ ኮርስ ንምስስፍ ናይ ኮቪድ ምስክር ወረቐትን (2G: ከም ዘተተተብካ ወይ ሓሚምካ ከም ዝነበርካ መረጋገገርካ መረጋገᅸ) ማስክ መሸፈኒ ኣፍ ምጥቃምን ግድን  እዩ።

ምዝገባ

ተወሳኺ ሓበሬታ

more information